ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ዶክተር ፓትሪስ ሞትሲፒ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ዶክተር ፓትሪስ ሞትሲፒ  ዘትዮም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ዶክተር ፓትሪስ ሞትሲፒ ምዝታዮም ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ዶክተር ፓትሪስ ሞትሲፒ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካን ኢትዮጵያ ኣብ ዕቤቱ ዝህልዋ እጃምን ኣመልኪትና ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ንዕቤት መናእሰይ፣መሰረተ ልምዓት ስፖርት ከምኡ እውን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ንምዕባይ ኢትዮጵያ ምስ ካፍ ዝህልዋ ምትሕብባር ዝምልከት ምዝታዮም እውን ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም