ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘትዮም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ምዝታዮም ገሊፆም።
እቶም ቅርዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ጎና ጎኒ ጉባኤ ጉጅለ 20 ምስ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዘቲና ኢሎም።
ዘተኦም፤ ኩለ መዳያዊ ርክብ ንምጥንኻር ከምኡ እውን ከም ስራሕቲ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ሰላምን ፀጥታን፣ዘላቒ ልምዓት ዝበሉ ሓባራዊ ዓለም ለኻዊ ትኹረትታት ምጥንኻር ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ትኹረት ዝገበረ ከምዝነበረ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ኣዳላዊት COP32 ብምዃና ክግበር ዝግበኦ ደገፍ ኣመልኪቶም ከምዝዘተዩ እውን ሓቢሮም።