ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኢንዶኔዥያ ጊብራን ራክቡሚንግ ራካ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኢንዶኔዥያ ጊብራን ራክቡሚንግ ራካ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኢንዶኔዥያ ጊብራን ራክቡሚንግ ራካ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ኢንዶኔዥያ ጊብራን ራክቡሚንግ ራካ ፅቡቕ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ኣብ ክልቲአን ሃገራትና ቀዳምነት ኣብ ንህቦም ኣብ ንግድን ልኣላዊነት ምግብን ዝጠመተ፤ ስራሕ ምምዕባል ግብርናና ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ መንገድታት ተዘራሪብና ክብሉ ገሊፆም።