ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኬር ስታመር ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኬር ስታመር ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኬር ስታመር ምዝታዮም ገሊፆም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኬር ስታመር ምዝታዮም ሓቢሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም ኬር ስታመር ተራኺብና ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጠንካራን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐን ክልቲኣዊ ርክብ ንቕድሚት ምስጓም ስለዘድለየ ዘቲና ኢሎም።