ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም አጄይ ባንጋ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም አጄይ ባንጋ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለምን ፈታዊ ኢትዮጵያን አጄይ ባንጋ ምዝታይ ዋላ ንኹሉ ግዜ እንተዝኸውን ዘሕጉስ እዩ ኢሎም።
ብዛዕባ ኣብ ከይዲ ዘለዉ ብጉጅለ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝግበሩ ደገፋት እውን ዘቲና ክብሉ ሓቢሮም።



እዚ ድማ ኣብ ፕሮጀክትታት ልምዓት ጥዕና፣ፍልፍል ሓይልን ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዝግበር ደገፍ ገንዘብ ዝምልከት ከምዝነበረ እውን ገሊፆም ኣብ መልእኽቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም