ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ጆናስ ጋህር ስተር ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ጆናስ ጋህር ስተር ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ጆናስ ጋህር ስተር ዘትዮም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ጆናስ ጋህር ስተር ምዝታዮም ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ጆናስ ጋህር ስተር ኣብ ምትሕብባር ስራሕ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር፣ሓባራዊ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ ኩለ መዳያዊ ጉዳያት ከምኡ እውን ምትሕብባርና ኣብ ዘጠናኽሩን ዘላቒ ዕቤት ኣብ ዘዕብዩን ዕድላት ኢንቨስትመንት ዘቲና ኢሎም።