ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቻንስለር ጀርመን ፍሬድሪክ ሜርዝ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቻንስለር ጀርመን ፍሬድሪክ ሜርዝ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ቻንስለር ጀርመን ፍሬድሪክ ሜርዝ ተራኺብና ዘቲና ኢሎም።
ዘትኦም እውን ኣብ ቁልፊ ጉዳያት ሓባራዊ ድሌት ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤  ምትእስሳርና ንምጥንኻር ዝሕግዙ መንገድታት ንምእላሽ ዘለና ድሌት ገሊፅና ክብሉ ኣረዲኦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም