ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ምዝታዮም ገሊፆም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ  ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ምዝታዮም ገሊፆም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ርክብ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዝሳለጡ ዘለዉ ምትሕብባራት ተጠናኺሮም እናቐፀሉ እዮም ኢሎም። 
ኣብዚ መዳይ ድማ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ምትሕብባራትና ዘለውዎ ብርኪ ኣመልኪትና ተዘራሪብና ክብሉ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም