ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ዘትዮም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ምዝታዮም ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ርክብ ኢትዮ-ሕብረት ኣውሮፓ ንምጥንኻር ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ክልቲኣዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለና ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቅዋምና ደጊምና ኣፅኒዕና ክብሉ እውን ገሊፆም።