ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ዘትዮም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ  ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ምዝታዮም ገሊፆም።



እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ርክብ ኢትዮ-ሕብረት ኣውሮፓ ንምጥንኻር  ምስ ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮፓ ኣንቶኒዮ ኮስታ ክልቲኣዊ ዘተ ገይርና ኢሎም። 
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለና ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ቅዋምና ደጊምና ኣፅኒዕና ክብሉ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም