ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስተብ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስተብ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስተብ ዘትዮም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እውን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስተብ ምዝታዮም ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ፊንላንድ ኣሌክሳንደር ስተብ ኣብ ዞባዊ፣በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር፣ኣብ ክልቲኣዊ ርክብ ትምህርቲ፣ ስራሕ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተኸፈተ ምህዳር ኢኮኖሚ ዘለዉ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ዘቲና ኢሎም።
ዘተና ክልቲኣዊ ምትእስሳርናን ምትሕባብር ሓባራዊ ረብሓን ኣብ ምጥንኻር ዘለና ቅዋም ዘጠናኸረ እውን እዩ ክብሉ ሓቢሮም።