ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርክዬ ጣይብ ኤርዶዋን ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርክዬ ጣይብ ኤርዶዋን ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቱርክዬ ጣይብ ኤርዶዋን ዘትዮም።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እውን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት ቱርክዬ ጣይብ ኤርዶዋን ምዝታዮም ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ቱርክዬ ጣይብ ኤርዶዋን ኣብ ኢኮኖሚ፣ርክብ ምሕዝነት ባህሊ፣ዘላቒ ልምዓት፣ስራሕቲ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያትን ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።