እቲ ምምሕዳር ከተማ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ነበርቲ እታ ከተማ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ምምሕዳር ከተማ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ነበርቲ እታ ከተማ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ እናሳለጠ እዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ነበርቲ እታ ከተማ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ሳይት ጀርመን ኣደባባይ ከምኡ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ሳይታት ግራርን ኣየር ጤናን ዝተሃነፁ ሓባራዊ መንበሪ ኣባይቲ መሪቐን።
እዞም ኣብ ውሽጢ 9 ኣዋርሕ ብቕልጡፍን ብፅሬትን ኣብ 24 ህንፃታት ዝተሃነፁ ኣባይቲ፤ 1 ሽሕን 287 ዘበናዊ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝኾኑ ገሊፀን።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ብሰብ ተኮር ስራሕቲ ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ወነንቲ መንበሪ ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ እታ ከተማ ንነበርታ ምችውትን ሰሓቢትን ብምግባር ተመራፂ ስፍራ መንበሪ እናተፈጠረ እዩ ኢለን።
እቲ ምምሕዳር ከተማ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ነበርቲ እታ ከተማ ተረባሕቲ ዝገብሩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝርከብ እውን ኣረዲአን።
ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ልዕሊ 380 ሽሕ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝተሃነፁ ብምሕባር፤ ድሌት መንበሪ ዜጋታት ንምምላእ ሕዚ እውን ምስ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ብዝበለፀ ንምስራሕ ፃውዒት ኣቕሪበን።