ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018 (ኢዜኣ) ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ምክያድ ጀሚሩ።
እቲ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፤ “ምሕዝነት፣ማዕርነርን ዘላቕነትን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ፤ ኣቦ መንበር እዚ እዋን ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20ን ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ስሪል ራማፎሳን መራሕቲ ኣባል ሃገራትን ተረኺቦም።



ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እውን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፉ እዮም ዝርከቡ።
ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 እዚ ዓመት፤ ኣብ ሓቛፍን ዘላቕነት ዘለዎን ዕቤትን ኢኮኖሚ ትኹረት ዝገበረ እዩ።
እቲ ጉባኤ፤ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 3 መዓልትታት ዝሳለጥ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም