ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ መባፅሒ ቱሪዝምነታ ብዝበለፀ ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ መባፅሒ ቱሪዝምነታ ብዝበለፀ ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018 (ኢዜኣ) ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ኣዲስ ኣበባ መባፅሒ ቱሪዝምነታ ብዝበለፀ ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ምምዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
ውድድር 10 ኪሎ ሜትር’ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ'ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
ሓላፊ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ምምዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሃፍታይ ገብረእግዚአብሔር እቲ ውድድር ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ድምቀት እታ ከተማ እዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ንማሕበራዊ መስተጋብርን ሕብረትን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
እቲ ውድድር ኣዲስ ኣበባ ንመላእ ዓለም ከላሊ ምፅንሑ ብምሕባር፤ ኣብ ቀፃሊ እውን እታ ከተማ መባፅሒ ቱሪዝምነታ ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኣብታ ከተማ ንዓይኒ ሰሓብቲ ዝኾኑ ሰፋሕቲ መሰረተ ልምዓት ከምዝተሃነፁ ብምግላፅ፤ ተሳተፍቲ እቲ ውድድር እቶም መሰረተ ልምዓታት ንመላእ ዓለም ንከፋልጡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።