ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎቱ ምስ ዕቤት እታ ከተማ ኣጠዓዒሙ ንምዕባይ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂን ብብቑዕ ሓይሊ ሰብን ናይ ምውዳብ ስርሑ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎቱ ምስ ዕቤት እታ ከተማ ኣጠዓዒሙ ንምዕባይ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂን ብብቑዕ ሓይሊ ሰብን ናይ ምውዳብ ስርሑ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018 (ኢዜኣ) ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎቱ ምስ ዕቤት እታ ከተማ ኣጠዓዒሙ ንምዕባይ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂን ብብቑዕ ሓይሊ ሰብን ናይ ምውዳብ ስርሑ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኮሌጅ ፖሊስ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ዘሰልጠኖም ሕፁያት መኮንናት ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ምክትል ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ መላኩ ፈንታ፣ኣዛዚ ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮሚሽነር ጌቱ ኣርጋውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ቀንዲ ትኹረት እቲ ምምሕዳር ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ነበርቲ እታ ከተማ ምህናፅን ማሕበራዊ ሂወት ብምምሕያሽ ዘላቒ ልምዓትን ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳርን ብምምላስ ኩለ መዳያዊ ብልፅግና ምርግጋፅን እዩ።
ላዕለዋይ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሰላምን ድሕንነት እታ ከተማ ንምርግጋፅ ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ ዝተባባዕ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እቲ ላዕለዋይ መምርሒ ኣብታ ከተማ ዘሎ ዕቤት ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ኣገልግሎቱ ንምዕባይ ዓርሱ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂን ብብቑዕ ሓይሊ ሰብን ናይ ምውዳብን ምጥንኻርን ስራሕቲ ከምዘሳለጠ ኣረዲአን።
እዚ ስራሕ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፀን።