56 ፈታሕቲ ፀገም ውፅኢታት ምርምር ኣብ ዓለም ለኸ ጆርናላት ዕላዊ ተገይሮም - ኢዜአ ትግርኛ
56 ፈታሕቲ ፀገም ውፅኢታት ምርምር ኣብ ዓለም ለኸ ጆርናላት ዕላዊ ተገይሮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018(ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቴከኖሎጂ ዘሳለጦም 56 ፈታሕቲ ፀገም ውፅኢታት ምርምር ኣብ ዓለም ለኸ ጆርናላት ከምዘሕተመ ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 2013 ዓ/ም ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዝነኣዱ ውፅኢታት ኣመዝጊቡ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ እቲ ኢንስቲትዩት ብዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ብምጥንኻር ምችው ከባቢ ስራሕ ምፍጣር ተኻኢሉ እዩ።
ስለዝኾነ እውን እቲ ትካል ተወዳዳርን ፀገም ፈታሕን ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን እናሳለጠ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ዝኾኑ 56 ውፅኢታት ምርምር ኣብ ዓለም ለኸ ጆርናላት ከምዘሕተመ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ካብቶም ውፅኢታት ምርምር እቶም 9 መሰል ዋንነት ኣእምሮኣዊ ንብረት ከምዝረኸቡ ብምግላፅ፤ እዚ ዓወት ኣብ ካልኦት ውፅኢታት ምርምር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ኣረጋጊፆም።
ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣብ ዓውድታት ጥዕና፣ግብርናን ኣገልግሎትን ቴክኖሎጂ ሰብ ስራሕ ብልሒ(ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ብምጥቃም መፍረያይነት ብዕፅፊ ኣብ ምዕባይን ኣወሃህባ ኣገልግሎተን ኣብ ምምዕባልን ከምዝርከባ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ግንዛበን ተሳትፎን መናእሰይ ንክጠናኸር ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ብምድላው እናተሰርሐ እዩ ኢሎም።
'ኢንተሊጀንስ ንኹሉ'ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኣብ ኩሎም ኣብያተ ዕዮ ተግባራዊ ንምግባር ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።