ፅባሕ ንዝካየድ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕፀዉ መንገድታት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 13/2018(ኢዜሕ) ንመበል 25 ግዜ ዝተዳለወ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ንተሽከርከርቲ ዝዕፀዉ መንገድታት ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
ብርክት ዝበሉ ተሳተፍቲ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን፣ኣምባሳደራት፣ዕዱማት ኣትሌታትን ዝርከብሉ መበገሲኡን መብፅሒኡን መሰቀል ኣደባባይ ዝገበረ ‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ዘዳለዎ ውድድር ጉያ 14 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
እቲ ውድድር ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ዝተወሰኑ መንገድታት ንተሽከርከርቲ ዕፁዋት ከምዝኾኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ገይሩ።
ካብ ዕላማ እቲ ውድድር ወፃኢ ዘይሕጋዊ ስራሕትን መልእኽትታትን ምምሕልላፍ መንፈስ እቲ ውድድር ዝርብሽ ስለዝኾነ እቲ ኣዳላዊ ትካልን ተሳተፍትን ግቡእ ጥንቃቐ ንክገብሩ እውን ኣተሓሳሲቡ።
ብመሰረት እዚ እውን እቲ ውድድር ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ፡-

  •  ካብ ኦሎምፒያ ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ (ኦሎምፒያ ኣደባባይ)
  • ካብ ጥላሁን ኣደባባይ ናብ ሳንጆሴፍ መብራት (ጥላሁን ኣደባባይ) ንከበድቲ ተሽከርከርቲ ኣጎና ሲኒማ 
  • ካብ ሕብረት ኣፍሪካ መብራት ናብ ሜክሲኮ ኣደባባይ (ጥይት ቤት መስቀለኛ )
  • ካብ ፓርላማ መብራት ናብ ኮንሰን መታጠፊያ (ፓርላማ መብራት )
  • ካብ ኮንሰን መታጠፊያ ናብ ገብርኤል (ኮንሰን መታጠፊያ)
  • ካብ ጥይት ቤት ናብ ገብርኤል ብሕሪኡ(ጥይት ቤት መታጠፊያ)
  • ካብ ሴቶች ኣደባባይ ናብ ካዛንቺስ (ሴቶች ኣደባባይ)
  • ካብ ሴቶች ደባባይ ናብ ካዛንቺስ ቶታል (ሴቶች ኣደባባይ)
  • ካብ 22 ኣደባባይ ወይ ድማ ዘሪሁን ህንፃ ናብ ዑራኤል ኣደባባይ (ዘሪሁን ህንፃ መስቀለኛ)
  •  ካብ ፒኮክ ሓዱሽ መንገዲ ናብ ዑራኤል ኣደባባይ (ፒኮክ መብራት)
  • ካብ ጋዜቦ ኣደባባይ ናብ ደንበል (ጋዜቦ ኣደባባይ)
  • ካብ ቂርቆስ ቤ/ክርስቲያን መስቀለኛ ናብ ለገሃር መብራት (ቂርቆስ ቤ/ክርሰቲያን ነርክ ተራ)
  • ካብ ላንድ ማርክ ሆስፒታል መዕፀፊ ገነት ሆቴል ወይ ድማ ናብ ገነት መብራት (ላንድ ማርክ ሆስፒታል መስቀለኛ)
  • ካብ ጠማማ ፎቅ ናብ ሜክሲኮ ኣደባባይ (ጠማማ ፎቅ መስቀለኛ)
  • ካብ ኣፍሪካ ህብረት መብራት ናብ ሜክሲኮ ኣደባባይ (ሜክሲኮ ጥይት ፋብሪካ መስቀለኛ)
  • ካብ ፈረሰኛ መብራት ናብ ጨፌ ሜዳ (ፈረሰኛ መብራት)
  •  ካብ ሞላ ማሩ መስቀለኛ ናብ ጌጃ ሰፈር (ጌጃ ሰፈር መስቀለኛ)
  • ካብ ፍተኛ ፍ/ቤት ኣደባባይ ናብ ሜክሲኮ ኣደባባይ (ከፍተኛ ፍ/ቤት ኣደባባይ)
  •  ካብ ሠንጋ ተራ 40/60 ናብ ሠንጋ ተራ መብራት (ሠንጋ ተራ 40/60 መታጠፊያ)
  • ካብ ጎማ ቁጠባ መብራት ናብ ብ/ቲያትር (ጎማ ቁጠባ መብራት)
  • ካብ ሜትሮሎጂ መዕፀፊ ናብ ፖስታ ቤት መብራት (ሜትሮዎሎጂ መታጠፊያ) 
  • ካብ ጥቁር ኣንበሳ ሼል ናብ ኢምግሬሽን (ጥቁር ኣንበሳ ሼል)
  • ካብ ጎላ ሚካኤል መስቀለኛ ናብ ኢምግሬሽን (ጎላ ሚካኤል መስቀለኛ)
  • ካብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ ናብ ኣገር አስተዳደር መብራት (ቴዎድሮስ ኣደባባይ)

ካብ ንጉሆ ሰዓት 11:30 ጀሚሩ እቲ ውድድር ክሳብ ዝዛዘም እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተገለፁ መንገድታት ከምዝዕፀዉን በቶም ዝተገለፁ መስመራት ካብ ቀዳም ምሸት ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ መኪና ንሓፂር እዋን ይኹን ንነዊሕ እዋን ጠጠው ምባል ክልኩል ምዃኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
ኣገልግሎት ፖሊስ ንምርካብ 011 1110111 ወይ ድማ ነፃ መስመር ስልኪ 991 ምጥቃም ከምዝከኣል እውን ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም