መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
መልእኽቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ፅዋዕ ኣፍሪካ ካብ ዝመስረቱን ኩዑሶ እግሪ ብእግሩ ጠጠው ንክብል ካብ ሞንጎ ዘኽኣሉን ውሑዳት ሃገራት ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት እያ ትስራዕ።
ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካ ንምዕባይ ከምኡ እውን ካብ ኣድሎን መድሎን ንክፀርይ ብሱል ኣመራርሓን ጥበብን ክቡር ይድነቃቸው ተሰማ ዛጊድ እውን ይዝከር።
ይኹን እምበር ምዕባለ ኩዕሶ እግርናን ድሌት ፈታዊ ኩዕሶ እግሪ ህዝብናን ዛጊድ ዝተጠዓዓመ አይኮነን ። መንግስቲ ነዚ ንምቕያር ንህፃናትን ሰገናትን ማእኸል ዝገበረ ስራሕ እናሰርሐ ይርከብ ።
ኢኒሼቲቭ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ዝኾኑ እቲ ሓደ ዝኾነ ህንፀት ስፍራታት መዘውተሪ ስፖርት ኣዝዩ ተስፋሕፊሑ እናቐፀለ እዩ።
ጉጅለታት ሰገናት ቀይ ቀበሮ ኣብ ውድድር ፅዋዕ ትሕቲ 17 ዕድመ ሰገናት ኣፍሪካ ንምሕላፍ ኣብ ውሽጢ እቶም 4 እዮም ዝርከቡ።
ካብ ሰለስተ ፀወታታት ንክልቲኡ ብምስዓር በቲ ሓደ ድማ ማዕረ ተፈላልዮም ግስጋሰኦም ቐፂሎም ኣለዉ።
ብሓባር እንተሰሪሕናን ብሓድነት እንተተሰሊፍናን ዘይነዕውቶ ወይከ ኣይህልውን።