ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምድላውን ኣሸናፊ ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅን ተስፋ ዘለዎም ሰገናት ናብ ኩዕሶ እግሪ እናመፁ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንምድላውን ኣሸናፊ ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅን ተስፋ ዘለዎም ሰገናት ናብ ኩዕሶ እግሪ እናመፁ እዮም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዴም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተገበረ ፀወታ ምስ ጉጅለ ሶማሊያ 3 ን 3 ብማዕረ ንዝወፀ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ድሕሪ እቲ ፀወታ ብኣካል ተረኺበ ኣተባቢዐ ኢሎም።



ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትርና ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንክተዳሉ ዘቕረብዎ ዕላዊ ሕቶ ስዒቡ መንግሥቲ በቢ ከባቢኡ ካብ ኣናእሽተይ ክሳብ ዓበይቲ ስታዴማት እናሃነፀ እዩ ዝርከብ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ካብ መሰረተ ልምዓት ብተወሳኺ ንፍቕሪ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያውያን ዝምጥንን ሰናይ ሽምና ሓፍ ዘብልን ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ተጀሚሮም እዮም ኢሎም።
ፕሮጀክት ጉዕዞ 2029 ዝኾነ ትሕቲ 17 ዓመት ጉጅለና እውን ዓብይ ተስፋ ዘለዎን መናእሰይን ሰገናትን ኢትዮጵያ 
ፀወታ ኩዕሶ ከምዝኽእሉ ከምኡ እውን ነቲ ኣህጉራዊ ፅዋዕ ካብ ታሕቲ ዝጀመርናዮ ምድላው ውፅኢት እናተረኸበሉን ከምዝኾነ ተዓዚብና ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።



እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ጉጅለ ኣብዚ ንክበፅሕ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ፈተውቲ ሃገር ኢትዮጵያውያን፣ኣባላት ስታፍ ኮቺንግ፣ኣመራርሓ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ከምኡ እውን ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣመስጊኖም
ኣባላት እቲ ጉጅለ ሰገናት ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝነበሮም ከይዲ ውድድር ንዘመዝገብኩሞ ውፅኢት በርትዑ ክብል ይፎቱ ክብሉ እውን ገሊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም