እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም
ጂንካ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) ቫይረስ ማርበርግ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጂንካ እቲ ቫይረስ ንዝተረኸበሎም ወገናት ዝተፈለዩ ማእኸላት ተዓዚበን።
እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ቫይረስ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እዮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ብቫይረስ ማርበርግ ዝተትሓዙ ሰለስተ ሰባት ጥራሕ ከምዝኾኑን ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብን ተዛሪበን።
እቲ ቫይረስ ንከይስፋሕፋሕ እቲ ሕብረተሰብ መንገድታት መከላኸሊ ተግባራዊ ንክገብር እውን ኣተሓሳሲበን።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ብግደኦም፤ ቫይረስ ማርበርግ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ንከየስዕብ ኩሎም ትካላት ዘሳተፈ ርብርብ እናተገበረ እዩ ኢሎም።
እቲ ሕብረተሰብ ብሰብ ሞያ ጥዕና ዝወሃብ ምኽሪ ብኣግባቡ ተግባራዊ ብምግባር ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ኣብ ዝግበር ስራሕ ንክሕግዝ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ኣይተ እንዳሻው ሽብሩ፤ ቫይረስ ማርበርግ ንምክልኻል መዳርግቲ ኣካላት ዘሳተፈ ዝተዋደደ ርብርብ እናተገበረን ነቲ ሕብረተሰብ እውን ስራሕ ምጭባጥ ግንዛበ ብሰፊሑ እናተሳለጠን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሚኒስቴር ጥዕና እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝሕግዙ ልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ናውቲ ጥዕና ነቲ ሆስፒታል ደገፍ ከምዝገበረ ተገሊፁ።