በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ዓቕምታት ብምጥቃም ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተዓዘብናዮም ስራሕቲ ልምዓት መርኣያ እዮም-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ዓቕምታት ብምጥቃም ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተዓዘብናዮም ስራሕቲ ልምዓት መርኣያ እዮም ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሰመራ ዝተዋፈረ ፋብሪካ መቀነባበሪ ጨው ኣርዲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ዕቑር ፍርያት ጨው ናብ ረብሓ ኣብ ምቕያር ዓብይ ስራሕ እናሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ብካሊእ መዳይ ድማ ግብርና ከተማን ኢንሼቲቭ ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትርና ዝኾነ ትሩፋት ሌማትን ብምትእስሳር ዝሳለጡ ዘለዉ ማእኸላት ፀባ፣እንቋቁሖን ምርባሕ ደርሆን ተዓዚብና ኢሎም።
ኣብቲ ክልል ዘሎ ዕቑር ሃፍቲ እንሰሳ ናብ ረብሓ ንምቕያር ኣብ ስግግር ስርዓት ምግቢ ትሩፋት ሌማት ዓብይ ለውጢ ንምምፃእ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ዝነኣዱ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።
ኣብ ክልል ዓፋር ዝተዓዘብናዮም መርኣያ ትግሃት ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እውን ተበፃሕነቶም ብምስፍሕ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ፀሪሖም።
በቢ ከባቢኡ ዘለዉ ዓቕምታት ብምጥቃም ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ምዃኑ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተዓዘብናዮም ስራሕቲ ልምዓት መርኣያ እዮም ክብሉ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም