ኢትዮጵያን ሩሲያን ግብርና ብምምዕባል ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ምትሕብባራት ምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘትየን - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያን ሩሲያን ግብርና ብምምዕባል ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ምትሕብባራት ምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘትየን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሩሲያን ግብርና ብምምዕባል ልኣላዊነት ምግቢ ምርግጋፅ ዘኽእሉ ምትሕብባራት ምዕባይ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ዘትየን።
ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ምስ ምክትል ሚኒስትር ግብርና ሩሲያ ኣንድሬይ ራዚንን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ክልቲኣዊ ጉዳያት ዘትዮም።
ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ኩለ መዳያዊ ዓውድታት ጠንካራ ክልቲኣዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን ኢሎም።
ግብርና ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ቀንዲ ዘፈር ከምዝኾነን ኢትዮጵያ ሉዓላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ርብርብ ምስ ሩሲያ ተሞኩሮ ብምልውዋጥ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ትኽእለሎም ጉዳያት ምዝታዮምን ኣፍሊጦም።
ዘተኦም እውን፤ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሚኒስቴራት ልዑል ልውውጥ ልምዲ፣ደገፍ ቴክኒክ ማእኸል ዝገበረ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ሉዓላዊነት ምግባ ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ደገፍ ቴክኒክ ንምግባርን ክልቲኣዊ ስምምዕ ንምፍርራምን ምስምዕምዖም እውን ኣረዲኦም።
ሩሲያ ልኣላዊነት ምግባ ንምርግጋፅ ዘሳለጠቶም ስራሕቲ ንኢትዮጵያ ንክተካፍል ምስምዕምዖም ተገሊፁ።