መበል ሳልሳይ ኣዋርድ ሚዲያ ኢጋድ ካብ 20 ክሳብ 21 ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 12/2018(ኢዜኣ) መበል ሳልሳይ ኣዋርድ ሚዲያ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ)ካብ 20 ክሳብ 21 ሕዳር 2018 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ ተገሊፁ።
ብምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያን ኢጋድን ኣብ ዝተዳለወ ሽልማት እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዝሓይሸ ስራሕ ትሕዝቶ ንዝሰርሑ ሰብ ሞያ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝዋሃብ እዩ።
ከይዲ ምድላው መበል ሳልሳይ ኣዋርድ ሚዲያ ኢጋድ ብዝምልከት ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸውን ኣብ ኢትዮጵያ ተፀዋዒ ኢጋድ ኣበባው ቢሆነኝን ብሓባር ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው፤ ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስት ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተግባራዊ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ዞባዊ ኣጀንዳ ልምዓት ከምዝኾነ ሐቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 30) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ መበል ሳልሳይ ኣዋርድ ሚዲያ ኢጋድ ምትእንጋዳ እውን ንዓወታት ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ተፀዋዒ ኢጋድ ኣበባው ቢሆነኝ ብግደኦም፤ እቲ ውድድር ኣብ ቴሌቪዥን፣ሬዲዮ፣ሕትመት፣ዲጂታል ሚዲያን ዘፈር ደቂ ኣንስትዮን ሓዊሱ ኣብ 8 ዓውድታት ከምዝካየድ ኣፍሊጦም።
ከባቢ 400 ሰብ ሞያ ሃገራት ኣባል ኢጋድ ስራሕቶም ከምዘእተዉ ብምሐባር፤ ካብዚኣቶም እቶም 94 ኢትዮጵያዊያን ሰብ ሞያ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም