መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ንብልፅግና ሃገር ወሳኒ እጃም እናበርከተ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ንብልፅግና ሃገር ወሳኒ እጃም እናበርከተ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ብልፅግና ሃገር ኣብ ምርግጋፅ ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድር ገሊፀን።
ኣካል ኣከባብራ በዓል መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝኾነ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ክልላትን ዝተውፃእፅኡ ተወከልቲ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እዚ መዓልቲ ሕድ ሕዳዊ ርክብ ንምዕባይን ንምፍላጥን፣ብብርኪ ሃገር ዝሳለጡ ዘለዉ ውፅኢታት ልምዓት ንምዕዛብ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።
ጭቡጥ ውፅኢት ራኢ ብልፅግና ንምዕዛብን ልምድታት ንምልውዋጥን እቲ መድረኽ ከምዝተዳለወ እውን ሓቢረን።
ኣብ ዝሓለፉ ዓማታት ለውጢ ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ዓውድታት እታ ሃገር ዘፀብለልታ ከምዝተመዝገቡ ኣረዲአን።
ልምዓት ሓባራዊ ፃዕሪ ከምዝደሊ ብምሕባር፤ ብፃዕሪ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብተሳትፎ ህዝብታት እውን ከምዝረጋገፅ ተዛሪበን።
መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ንብልፅግና ሃገር ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ እውን ገሊፀን።