ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(ኮፕ 32) ክተተኣናግድ ምምራፃ እታ ሃገር ንትግበራ ፖሊሲን ስትራቴጂን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 12/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(ኮፕ 32) ክተተኣናግድ ምምራፃ እታ ሃገር ንፖሊሲን ትግበራ ስትራቴጂን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ዘረጋገፀ እዩ ክብሉ መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ 2011 ዓ/ም ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ድሕንነት ስነ ምህዳር ከባቢ ኣብ ምሕላው ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ ዝርከብ።
ኢትዮጵያ ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(ኮፕ 30) መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር(ኮፕ 32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ዝፍለጥ እዩ።
መተሓባበሪ ኮሚቴ ቴክኒክ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣደፍርስ ወርቁ(ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ብምትካል ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ዝተረኸበሉ ዘደምም ዓወት ልምዓት ተመዝጊቡ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ዓወት ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ (ኮፕ 32) ንምትእንጋድ ተመራፂት ንክትኸውን ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ጉባኤ፤ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት፣ሓለፍቲ ስራሕ ዓለም ለኸ ትካላት ምኽክር ብምግባር ውሳነ ዘሕልፍሉ መድረኽ ስለዝኾነ ልምድን ተሞኩሮን ንምክፋል ዓብይ ትርጉም ከምዝወሃቦ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ንተኸላ ፈልሲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰርን ፖሊሲን ስትራቴጂን ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ዘለዋ ቆራፅነት እቲ ጉባኤ ንምትእንጋድ ዘቕረበቶ ሕቶ ቅልጡፍ ምላሽ ንክረክብ ከምዘኽኣለ ኣረዲኦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣፍሪካን ካልኦት ዓለም ለኸ መድረኻትን ብብቕዓት ናይ ምትእንጋድ ልምድን ተሞኩሮን እውን ካሊእ ንክትምረፅ ዝገበረ ዓብይ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ዓወታት መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ እውን ንፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እናበርከቱ ከምዝርከቡ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም