ኣትሌቲክስ ዓለም ንሻምበል ኣትሌት ኣበበ ቢቂላን ንዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍልጦን ኣርማ ክብርን ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 11/2018(ኢዜኣ) ኣትሌቲክስ ዓለም ንዓወት ኦሎምፒክ ሻምበል ኣትሌት ኣበበ ቢቂላ 1960 ኣብ ሮምን 1964 ኣብ ቶኪዮን ከምኡ እውን ንዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦን ኣርማ ክብርን ኣበርኪቱ።
ክልቲኦም ኣፍልጦን ኣርማ ክብርን ኣብ ብሄራዊ ሙዜም ብኽብሪ ተቐሚጦም።
እቲ ኣፍልጦን ኣርማ ክብርን እውን ዳይሬክተር ሓድጊ ኣትሌቲክስ ዓለም ክሪስ ተርነር ዘረከቡ እንትኸውን፤  ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳን ሻለቃ ኣትሌት ሃይሌ ገብረስላሴን ተረኪበምዎ።




ኣትሌቲክስ ዓለም ንሻምበል ኣበበ ቢቂላን ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያን ዝሃቦ ኣፍልጦን ኣርማ ክብርን ኣብ ታሪኽ ኣትሌቲክስ ዘይርሳዕ ኣሰር ንዘዕረፉ ዓበይቲ ውልቀ ሰባትን ስፍራታትን ዝህብ 'ሰሌዳ ሓድጊ ኣትሌቲክስ ዓለም' (World Athletics Heritage Plaque) እዩ።
ኣትሌት ኣበበ ቢቂላ ንዓወት ስፖርት ኦሎምፒክ ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ኣፍሪካ ዓብይ ምልክት ኩርዓትን ነፃነትን እውን እዩ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ኣደባባይ ዓለም ሓፍ ኢላ ክትረአ ገይሩ እዩ። 
ሻምበል ኣትሌት ኣበበ ቢቂላ ኣብ 1960 ኦሎምፒክ ሮም ብባዶ እግሩ ብምሽናፍ ንኣፍሪካን ፀለምቲ ህዝብታትን ዘኹርዐ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ 1964 ኦሎምፒክ ቶኪዮ እውን እቲ ዓወት ብምድጋም ዘመዝገቦ ዘደንቕ ዓወት እዩ ኢለን።



ናቱ ፈለግ ብምኽታል እውን ብርክት ዝበሉ ኣትሌታት ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ ብክብሪ ሓፍ ከምዘበልዎ ተዛሪበን።
‘ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ካሊእ ድምቀት ከተማ ኣዲስ ኣበባን ንብርክት ዝበሉ ዘሳትፍን ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ከንቲባ፤ ንናይ ክልቲኦም ኣፍልጦን ክብርን ዝተሰመዐን ሓጎስ እውን ገሊፀን።
ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ብግደአን፤ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደሽቲ ኣትሌታት ካብ ምፍራይ ብተወሳኺ ንዕቤት ዓውዲ ቱሪዝም ዓብይ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ሓቢረን።



እቲ ኣፍልጦ ንዝበለፀ ዓወት ዘለዓዕል ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።
ን’ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ’ ዝተውሃበ ኣፍልጦን ክብርን ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም