ሕብረት ኣፍሪካን ማሌዥያን ኣድማስ ምሕዝነቶም ንምስፋሕ ከምዝሰርሑ ገሊፆም - ኢዜአ ትግርኛ
ሕብረት ኣፍሪካን ማሌዥያን ኣድማስ ምሕዝነቶም ንምስፋሕ ከምዝሰርሑ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 11/2018 (ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካን ማሌዥያን ኣብ ትምህርትን ዲጂታል ዓውድን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ብቐረባ ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ኣብ ዋና ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንሕብረት ኣፍሪካ ዝጎብነዩ ፈላማይ መራሒ ማሌዥያ ኮይኖም።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ዘትዮም።
እቲ ዘተ፤ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ዝዓለመ እዩ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ መሐሙድ ዓሊ ዩሱፍ፤ ዑደት እቶም ቀዳማይ ሚነስትር ኣብ ምትሕብባር ኣፍሪካን ማሌዥያን ታሪኻውን ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ክልቲኦም ወገናት ዘጠናኽርን እዩ ኢሎም።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 መጠን ልውውጥ ንግዲ ኣፍሪካን ማሌዥያን 7 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝበፅሐ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ምትሕብባር እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ከምዘርኢ ሓቢሮም።
ትምህርቲ ቀንዲ ምሕዝነት ክልቲኦም ወገናት ከምዝኾነን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ካብ 2012 ጀሚሩ ልዕሊ 40 ሽሕ ኣፍሪካውያን ኣብ ማሌዥያ ትምህርቶም ምክትታሎምን ገሊፆም።
ማሌዥያ ቀፃሊ ኣቦ መንበር ማሕበር ሃገራት ደቡብ ምብራቕ እስያ ከምዝኾነትን ናብ ብሪክስ ንምፅምባር ዘለዋ ድሌት ኢንቨስትመንት ሓዊሱ ምስ ኣፍሪካ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝፈጥርን ኣረዲኦም።
ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዲጂታል ኢኖቬሽን፣ልምዓት ግብርን መቀነባበርን፣ንግዲ ደቡብ-ደቡብን ትምህርትን ዘለዎም ምሕዝነት ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ገሊፆም።
እቶም ኣቦ መንበር ዓመታዊ ምኽክር ኣፍሪካን ማሌዥያን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2026 ንክካየድ እውን ሓሳብ ኣቕሪቦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ብግደኦም፤ ምትሕብባር ንግዲ፣ግብርናን ትምህርትን ማሌዥያን ኣፍሪካን እናዓበየ ምምፅኡ ተዛሪቦም።
ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ኣድማስ ምትሕብባር ብምስፋሕ ሓባራዊ ተረባሕነቶም ንምርግጋፅ ክሰርሑ ከምዘለዎም ምግላፆም እውን ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።