ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ሳይበር ቀዲሙ ምምካት ዘኽእል ዓቕሚ እናፈጠረ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 11/2018 (ኢዜኣ) ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ሳይበር ቀዲሙ ምምካት ዘኽእል ዓቕሚ እናፈጠረ ከምዝርከብ ገሊፁ።
እቲ ባንኪ ወርሒ ድሕንነት ሳይበር ንካልኣይ ግዜ የኽብር ኣሎ።



ምክትል ፕሬዚዳንት ኤክስኪውቲቭ ኣገልግሎታት ኮርፖሬት እቲ ባንኪ ኣይተ ኤፍሬም መኩሪያ ኣብቲ መርሃ ግበሪ ተረኺቦም ከምዝበልዎ፤ እቲ ባንኪ መጥቃዕቲ ሳይበር ቀዲሙ ምምካት ዘኽእል ዓቕሚ እናፈጠረ እዩ።
ስለዝኾነ እውን እቲ ባንኪ ፈላማይ ምዕራፍ ዲጂታል ስትራቴጂኡ(2020 - 2025)ብዕዉት ኩነታት ዛዚሙ ናብ ካልኣይ ምዕራፍ ዲጂታል መሪሕ ስትራቴጂ(2025-2030) ከምዝተሰጋገረ ሓቢሮም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሓፈሻዊ ዕድጊት እቲ ባንኪ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ብዲጂታል መንገዲ ከምዝሳለጥ ብምሕባር፤ ድሕነንት እቲ ስርዓት ዕድጊት ንምሕላው ብልዑል ትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።
ምምሕዳር ድሕንነት ሳይበር ክሳብ ብርኪ ምክትል ፕሬዚዳንት ብምዕባይ እቲ ባንኪ ብብርኪ ሃገር ፈላማይ ትካል ፋይናንስ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ክፍልታት ድሕንነት ሳይበር ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ (ኤ.ኣይ) ዝሰርሕ ስትራቴጂ ዜሮ ትረስት ድሕንነት(Al-powered Zero Trust Security Strategy) ከምዝተዳለወ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም