ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከተማ ኳላ ላምፑርን ሰነድ መረዳድኢ ምትሕብባር ኣሓትነት ተፈራሪመን - ኢዜአ ትግርኛ
ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከተማ ኳላ ላምፑርን ሰነድ መረዳድኢ ምትሕብባር ኣሓትነት ተፈራሪመን
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 11 /2018 (ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከተማ ማሌዥያ ዝኾነት ከተማ ኳላ ላምፑርን ሰነድ መረዳድኢ ምትሕብባር ኣሓትነት ከምዝተፈረመ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
እቲ ሰነድ መረዳድኢ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር )ን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሬሽን ማሌዥያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂምን ኣብ ዝተረኸብሉ ከምዝተፈረመ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ ሓቢረን።