እቲ ነፃ ዞባ ንግዲ ተወዳዳሪነት ለኣኽቲ ዘጠናኽር እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ነፃ ዞባ ንግዲ ተወዳዳሪነት ለኣኽቲ ዘጠናኽር እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018 (ኢዜኣ) ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ መባፅሒ ዕዳጋ እኽልታት ጥራ ምረን ቅብኣትን ብምስፋሕ ተወዳዳሪነት ለኣኽቲ ምጥንኻር ከምዘኽእል ፕሬዚዳንት ማሕበር ለኣኽቲ እኽልታት ጥራ ምረን ቅብኣትን ኢትዮጵያ ኣይተ ኤዳኦ ኣብዲ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ትግበራ ስምምዕ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ 29 መስከረም 2018 ዓ/ም ፍርያታታ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ብምልኣኽ ብዕሊ ምጅማራ ዝዝከር እዩ።
ፕሬዚዳንት ማሕበር ለኣኽቲ እኽልታት ጥራ ምረን ቅብኣትን ኢትዮጵያ ኣይተ ኤዳኦ ኣብዲ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ነቲ ዓውዲ ዘለዎ ረብሓ ብዝምልከት ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ እቲ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣብ ኣፍሪካ ሰፊሕ ዕድል ዕዳጋ ከምዝፈጥር ሓቢሮም።
እቲ ዕድል ብፍላይ ድማ ኣፍረይቲ እኽልታት ጥራ ምረን ቅብኣትን ፍርያቶም ብዝሓሸ ኣማራፂ ንዕዳጋ ምቕራብ ዝኽእልሉ ሓዱሽን ሰፊሕን ዕዳጋ ከምዝፈጠረሎም እውን ተዛሪቦም።
እቲ ስምምዕ፤ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዉ ቀረፅን ታሪፍን ንግዲ ቀስ ብቀስ ብምትራፍ ንንግዲ ወፃኢ ዝቐርቡ እኽልታት ጥራ ምረን ቅብኣትን ኣብ ዕዳጋ ኣፍሪካ ተወዳዳሪ ንክኾኑ ከምዘኽእሎም ኣረዲኦም።
ለኣኺ እኽሊ ጥራ ምረን ቅብኣትን ዝኾኑ ኣይተ ዳኛቸው ኣሰፋ ብግደኦም፤ እቲ ስምምዕ ሓደሽቲ መባፅሕታት ዕዳጋ ብምስፋሕን ተወዳዳሪነት ብምዕባይን መጠንን ኣታውን ንግዲ ወፃኢ እኽልታት ጥራ ምረን ቅብኣትን ከምዘዕቢ ተዛሪቦም።
እቲ ስምምዕ ተግባራዊ ምግባሩ ልውውጥ ንግዲ ኣፍሪካ ዝቕይር እዩ ዝበሉ ድማ ተወካሊ ብሄራዊ ማሕበር ዘርኢ ሰሊጥ ናይጄሪያ እያሱ ይስሃቅ እዮም።