ኢትዮጵያ ዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ብምጥቃም ብዝለዓለ ዕቤት ኢኮኖሚ እናተጎዓዘት እያ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ዘለዋ ዕቑር ዓቕሚ ብምጥቃም ብዝለዓለ ዕቤት ኢኮኖሚ እናተጎዓዘት እያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም ገሊፆም።
ላዕለዋይ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያን ማሌዢያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።



ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም ኣብዚ እዋን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምን ኣድናቖት ዝተውሃባ ዓባይ ሃገር ምዃና ከምዝፈልጡ ተዛሪቦም።
ነዚ ድማ ነብዩ መሐመድ ናብ ምድሪ ሓበሻታት ዝለኣኹዎም ፈላሞት ስደተኛታት ሙስሊም ንጉስ ክርስትያን ብፍቕርን ኣኽብሮትን ከምዝተቐበልዎም ኣዘኻኺሮም።
ከምዚ ዓይነት ታሪኽ ኣብ ምርድዳእን ፍልጠትን መሰረት ዝገበረ ርክብ ብምፍጣር ሓባራዊ ተረባሕነት ምርግጋፅ ከምዘድሊ ወሳኒ ትምህርቲ እዩ ኢሎም።
ርክብ ኢትዮ-ማሌዢያ ብዝበለፀ ብምጥንኻር ሓባራዊ ምትሕብባራት ምስፋሕ ከምዝግባእ እውን ሓቢሮም።



ዲጂታል ስግግር፣ዓውዲ ዳታን ሰብ ስራሕ ኣስተውዕሎ(ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ)ን መሰረታዊ መፍትሒ መንገድታት መሳለጢ ኢኮኖሚ ምዃኖም ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘለዋ ዕቑ ዓቕሚ ብምጥቃም ብዝለዓለ ዕቤት ኢኮኖሚ እናተጉዓዘት ከምትርከብ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ዝተባባዕ እዩ ኢሎም።
ተሳትፎ ጉጅለ ንግዲ ማሌዢያ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለና ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምጥንኻር ዓብይ ቦታ ከምዝወሃቦ እውን ገሊፆም።
ምትሕብባር እተን ሃገራት ከም ዓብይ ዕድል ብምጥቃም ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ንዝተገበረሎም ድሙቕ ኣቀባብላ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም