ኩባንያታት ማሌዢያ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ምጥቃም ዝኽእልሉ ምችው ምህዳር ኣሎ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018(ኢዜኣ) ኩባንያታት ማሌዢያ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ምጥቃም ዝኽእልሉ ምችው ምህዳር ከምዘሎ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ገሊፆም።
ላዕለዋይ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያን ማሌዢያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ኣብቲ ፎረም፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም፣ ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)፣ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ኣልማዕቲ ሰብ ሃፍቲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ተረኺቦም።


 

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀ ሥላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ምትእስሳር ንግዲ ብምጥንኻር ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምጥንኻር ዘለዎም ቆራፅነት ዘርኢ እዩ።
ኢትዮጵያን ማሌዢያን ዘለወን ፀጋታት ብዝሃ ሕብረ ብሄራዊ ንሓባራዊ ዕቤትን ዞባዊ ምትሕብባርን ፍሉይ ዕድል ከምዝኾኑ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብምግባር ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ስነ ምህዳር ኢንቨስትመንት ከምዝሃነፀት ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ግብርና እውን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ትኽክለኛ መንገዲ ልምዓት ከምዘላ ወሲኾም ኣብራህሪሆም።



ስለዝኾነ እውን ክልቲአን ሃገራት ኣብ ግብርና፣እንሰሳት፣መዓድንን ካልኦት ዓውድታት ልምዓትን ዘለወን ምትሕብባር ምጥንኻር ይግባእ ኢሎም።
ኩባንያታት ማሌዢያ ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ብምጥቃም ሓባራዊ ብልፅግናን ተረባሕነትን ዝውስን ተሳትፎ ልምዓት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።




ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር እተን ሃገራት ንምጥንኻር ንዘርኣይዎ ቆራፅነት እውን ኣመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም