ናይ መደመር መንግስቲ ንከተማታት መርኣያን ማእኸልን ብልፅግና ገይሩ እዩ ዝሪአን-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ናይ መደመር መንግስቲ ንከተማታት መርኣያን ማእኸልን ብልፅግና ገይሩ እዩ ዝሪአን-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018 (ኢዜኣ) ናይ መደመር መንግስቲ ንከተማታት መርኣያን ማእኸልን ብልፅግና ገይሩ ከምዝሪአን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ-ሎጊያ ክካየድ ንዝፀንሐ መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸብሉ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ።
ኣብ መዛዘሚ መድረኽ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ታሪኽ ከተማነት ኢትዮጵያ ነዊሕ እዋን ዘቑፀረ እዩ።
ከተማታት ማእኸል ስልጣነ ብምዃነን ስልጣነ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣነ ከተማታት ፈሊኻ ምርኣይ ኣይከኣልን ኢሎም።
ይኹን እምበር ከተማታት ብዘላቒ ስትራቴጂ ኣብ ምምራሕ፣ብመሰረተ ልምዓት ኣብ ምትእስሳር ከምኡ እውን ብኢንዳስትሪያላዊ ኣተሓሳስባ ምትእስሳር ከተማን ገጠርን ኣብ ምስላጥ ክፍተት ከምዝነበረ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ዕቤት ከተማታት ምስ ዕድመ ከተማታት ክጠዓዓም ከምዘይከኣለ ፀሪሖም።
ናይ መደመር መንግስቲ ንከተማታት መርኣያን ማእኸልን ብልፅግና ገይሩ ከምዝሪአን እውን ኣረዲኦም።
ዋና ዕላማ እቲ ፎረም እውን ከተማታት መርኣያታትን ማእኸላትን ብልፅግና ኣብ ምዃን ዝኸድኦ ርሕቐት በቢ ክልተ ዓመት ብኣካል እናተራኸባ ንክግምግማን ንነሕድ ሕደን ንክመሃሃራን ንምኽኣል እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ብኢንዱስትሪያዊነት ናብ ብልፅግና ትገብሮ ጉዕዞ እጃም መሪሕነት ዝሕዘኦ ከተማታት ከምዝኾና ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ግልፂ ራኢ፣ኣተሓሳስባን ስትራቴጂን ከምዘሎ ተዛሪቦም።
እቲ ፎረም እንትዛዘም ኣብ ከተማታትና ትኹረት ዘድልዮም 4 ጉዳያት ከምዘለዉ እውን ሓቢሮም።
እቲ ፈላማይ ኣብ ከተማታት ዘጋጥም ዘሎ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ምፍታሕ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ዘኽእሉን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ዝሓዙን መርሃ ግብርታት ተሓንፂፆም ኣብ ኩለን ከተማታት ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት ኣባይቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።
እቲ ካልኣይ ድማ ጉዳይ ፅሬትን ሓምለዋይ ልምዓትን ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ህዝቢ ከተማታት ፅሬት ባህሉ ንክገብር ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።
በቢ ከባቢኡ ዝርከቡ ሃይማኖታዊ፣ባህላዊ፣ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን ሃፍትታት ብትሑት ወፃኢ፣ዓቕምን ፍልጠትን ህዝቢ ብምውሃድ፣ከባብያዊ ፀጋታት ብምጥቃም ናብ ሃፍቲ ቱሪዝም ምቕያር እቲ ሳልሳይ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
እቲ 4ይ ጉዳይ ድማ መናእሰይ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ቴክኒክን ትምህርትን ንክመሃሩ፣ከም ኮደርስ 5 ሚልዮን ኣብ ዝበሉ መርሃ ግብርታት ስልጠና ንክወስዱ ብምግባር ማእኸለዎት ሰብ ሞያ ብበዝሒ ናይ ምፍጣር ስራሕ ምቅልጣፍ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
እቲ ፎረም ብዓወት ንክዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ክልል ዓፋርን ከተማ ሰመራ-ሎጊያን እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።