እቲ ፎረም ንብልፅግናን ምንስርራእን ከተማታት ኣወንታዊ ኣሰር ኣዕሪፉ እዩ-ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018(ኢዜኣ) መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ንብልፅግናን ምንስርራእን ከተማታት ኣወንታዊ ኣሰር ከምዘንበረ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ገሊፆም።
መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ “ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ዓፋር ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ምዝዛም ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።



ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ኣብዚ እዋን፤ መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ኣተሓሳስባ መደመር ብተግባር ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ዕዱማት እቲ ፎረም እውን ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ-ሎጊያ ዕዉት ፃንሒት ምግባሮም ፀሪሖም።
እቲ ፎረም፤ ከተማታት ተሞኩረአን ዝተኻፈላሉን ሓንቲ ከተማ ካብ ካልእይቲ ከተማ ትምህርቲ ዝወሰደትሉን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።



ንብልፅግናን ምንስርራእን ከተማታት ኣወንታዊ ኣሰር ከምዘንበረ ብምግላፅ፤ እቲ ፎረም ብዓወት ንክዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም