ብመንግስቲ ዝተትሓዙ ትልምታት ልምዓት ሽቶኦም ንከዕዉቱ ኩለ መዳያዊ ርብርብ ምግባር ይግባእ-ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ - ኢዜአ ትግርኛ
ብመንግስቲ ዝተትሓዙ ትልምታት ልምዓት ሽቶኦም ንከዕዉቱ ኩለ መዳያዊ ርብርብ ምግባር ይግባእ-ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018 (ኢዜኣ) ብመንግስቲ ዝተትሓዙ ትልምታት ልምዓት ሽቶኦም ንከዕዉቱ ኩለ መዳያዊ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።
መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ “ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ዓፋር ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ምዝዛም ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።
ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ከተማታት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ዝተሓንፀፀ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምዕዋት እጃመን ንከበርክታ ዓብይ ልኡኽቶ ተዋሂብወን እዩ።
እቲ ዝተጀመረ ቅልጡፍ ጉዕዞ ብልፅግና ብምቕፃል ፍትሓዊ ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፅ ስርዓት ንምህናፅ ኣብ ዘኽእል መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ፎረም ከተማታት ኣብ መንጎ ከተማታት ጥዕና ዘለዎ መንፈስ ውድድር ንክህሉ ብምግባር ንጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ኣረዲአን።
ከተማታት ዘለወን ኣማራፅታት ኣታዊ ብኣግባቡ ብምፍላይ ንምእካብን ሕቶ ልምዓት ማሕበረሰብ ከተማ ንምምላስን ክሰርሓ ኣለወን ኢለን።
መላእ ነባሪ ከተማ ኣብ ፖሊሲታት፣ስትራቴጂታትን ትልምታትን ዝተማልአ ግልፅነት ሒዙ ምስ መዋቕር መንግስቲ ንክሰርሕ ግንዛበ ምፍጣር ከምዝግባእ እውን ተዛሪበን።
ብመንግስቲ ዝተትሓዙ ትልምታት ልምዓት ሽቶኦም ንከዕዉቱ ኩለ መዳያዊ ርብርብ ምግባር ይግባእ ኢለን።
ንዕዉትነት እቲ ፎረም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪበን።