ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መበል 11 ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ንክተተኣናግድ ተመሪፃ - ኢዜአ ትግርኛ
ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መበል 11 ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ንክተተኣናግድ ተመሪፃ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018 (ኢዜኣ) ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መበል 11 ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ንክተተኣናግድ ተመሪፃ።
መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ “ዕቤት ከተማታ ንልህቀት ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ-ሎጊያ ክካየድ ድሕሪ ምፅናሕ ሎሚ ተዛዚሙ።
መርሃ ግብሪ ምዛዝም እቲ ፎረም እውን ሎሚ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ምክትል ቀዳማ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፣ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፣ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምዝዛም፤ ኣብቲ ፎረም ልዑል ኣፈፃፅማ ንዘመዝገቡ ከተማታት ኣፍልጦ ዝተውሃብ እንትኸውን ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ መበል 11 ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ንክተተኣናግድ ተመሪፃ።