ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ጎብንዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ጎብንዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ጎብንዮም።
ከንቲባ ምምሕባር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም ኩርዓት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ንዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ምጉብናዮም ገሊፀን።
እተን ከንቲባ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ኣብ ምድረ ቀዳሞት ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብርዎ ፃንሒት ውፅኢታዊ ንክኸውን ብሽመይን ብሽም እቲ ምምሕዳር ከተማን ይምነ ኢለን።