ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግና ትገብሮ ጉዕዞ ኣብ ምቅልጣፍ ከተማታትና ልዑል እጃም ኣለወን-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ናብ ብልፅግና ትገብሮ ጉዕዞ ኣብ ምቅልጣፍ ከተማታትና ልዑል እጃም ኣለወን ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ-ሎጊያ ክካየድ ዝፀንሐን ሎሚ መዓልቲ ብድሙቕ ዝዛዘምናዮን መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ጉዕዞን ተስፋን ዕቤት ከተማታትና ብግልፂ ዘርኣየ እዩ ኢሎም።



ናይ መደመር መንግስቲ መሰረት ስልጣነ ኢትዮጵያ ዝኾና ከተማታትና መርኣያን ማእኸልን ብልፅግና ገይሩ እዩ ዝሪኦም ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ማእኸል ብልፅግና ብምዃነን መዐምበቢ ኩለ መዳያዊ ኢንዱስትሪ እንትኸውን፤ መርኣያ ብልፅግና ብምዃነን ድማ ኣብ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ዕቤትን ምምዕባል ከተማን ነሳልጦ ስራሕ ናብ ገጠር ንክስፋሕፋሕ መሰረት እናኾና እየን ብምዃነን እዩ ክብሉ ገሊጾም።



ኣብ ዋና ከተማና ኣዲስ ኣበባ ዝጀመርናዮ ከተማታት ንጉዕዞ ብልፅግና ናይ ምምችቻው ስራሕ ሎሚ ናብ ኣናእሽተይ ከተማታት ገጠር እናበፅሐ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዋና ዕላማ ኮሪደር ገጠር እውን እቲ ገጠር ብምምሕዳር፣መሰረተ ልምዓትን ስርዓት ከተማነትን ብምትእስሳር ናብ ከተማነት ምዕባይ እዩ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ ሕፅረት መንበሪ ኣባይቲ ከተማታትና ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኣብ ምቅላል፣ፅሬትን ሓምለዋይ ልምዓትን ባህሊ ህዝቢ ኣብ ምግባር፣ሃይማኖታዊ፣ባህላውን ታሪኻውን ሃፍትታት ናብ ሃፍቲ ቱሪዝም ኣብ ምቕያር፣መናእሰይ ብፍልጠትን ክእለትን ንስራሕ ኣብ ምብቃዕ ትኹረት ክንህብ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም ኣብ መልእኽቶም። 
ንዕዉትነት እቲ ፎረም ኣስተዋፅኦ ንዝገበርኩም ብፍላይ ድማ ንሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን፣ህዝብን ምምሕዳርን ክልል ዓፋርን ከተማ ሰመራ-ሎጊያን ደጊመ ከመስግን ይፈትው ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም