መፍረያይነት ፀባን ስጋን ምዕባይ ዘኽእሉ ዝተመሓየሹ ዓሌታት እንሰሳት ብምድቓል ውፅኢታዊ ስራሕ እናተሳለጠ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መፍረያይነት ፀባን ስጋን ምዕባይ ዘኽእሉ ዝተመሓየሹ ዓሌታት እንሰሳት ብምድቓል ውፅኢታዊ ስራሕ እናተሳለጠ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018(ኢዜኣ) መፍረያይነት ፀባን ስጋን ምዕባይ ዘኽእሉ ዝተመሓየሹ ዓሌታት እንሰሳት ብምድቓል ውፅኢታዊ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ግብርና ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ግብርና ፍቅሩ ረጋሳ (ዶ/ር) ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መፍረያይነት ፀባን ስጋን ምዕባይ ዘኽእሉ ዝተመሓየሹ ዓሌታት እንሰሳት ናይ ምድቓል ስራሕ እናተሳለጠ እዩ።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ፈላሞት ሰለስተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት 1 ነጥቢ 2 ሚልዮን ኣላሕም ንምድቓል ትልሚ ተታሒዙ 1 ነጥቢ 1 ሚልዮን ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ሓቢሮም።
ብፍላይ ድማ ብፈሳሲ ናይትሮጅን ኣቢሉ መፍረያይነት ፀባን ስጋን ምዕባይ ዘኽእሉ ዝተመሓየሹ ዓሌታት እናተዳቐሉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 4 ዓመታት ኣብ ዓመት 500 ሽሕ እንሰሳት ይዳቐሉ ከምዝነበሩ ብምሕባር፤ ኣብዚ ዓመት 5 ሚልዮን ዝተመሓየሸ ዓሌት ዘለወን ኣላሕም ንምድቓል ከምዝተተለመ ኣረዲኦም።
ኣብ መፍረያነት ፀባን ስጋን ልዑል ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ብምግላፅ፤ ዝተመሓየሹ ዓሌታት እንሰሳት ስርዓተ ምግቢ ንምቅልጣፍ ወሳኒ ስለዝኾኑ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ካብ ዘጀመርሉ እዋን ጀሚሩ ብብርኪ ሃገር ሕድ ሕዶም ኣብ ሰዓት 30 ሊትሮ ፈሳሲ ናይትሮጅን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎም ማሽነሪታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ከምዝተተኸሉ እውን ገሊፆም።
ብተወሳኺ እውን በጊዕ፣ጤልን ካልኦት እንሰሳትን ንምድቓል ዘገልግሉን ኣብ ሰዓት 50 ሊትሮ ፈሳሲ ናይትሮጅን ምፍራይ ዝኽእሉን ማሽነሪታት ኣብ ከይዲ ዕድጊት ከምዘለዉ ሓቢሮም።