ላዕለዋይ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ማሌዢያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 10/2018(ኢዜኣ) ላዕለዋይ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮጵያን ማሌዢያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣብቲ ፎረም፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ብርሃኑ ፀጋዬ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እተን ሃገራት፣ሰብ ሃፍቲ ኣልማዕቲ ንግድን ኢንቨስትመንትን ተረኺቦም።
ኣብቲ ፎረም፤ ፀጋታት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ዘመላኽቱ ተመራፅነቶምን ኣዋፃኣይነቶምን መበገሲ ፅሑፋት እናቐረቡ እዮም ዝርከቡ። 
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሴሪ ኣንዋር ኢብራሂም ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ተረኺቦም ድሙቕ ኣቀባብላ ምግባሮም ዝዝከር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም