ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ካልኦት ዓውድታትን ራኢ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘዐውት ምችው ኩነታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እናተፈጠረ እዩ-ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ሰይፈ ደርቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ካልኦት ዓውድታትን ራኢ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘዐውት ምችው ኩነታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እናተፈጠረ እዩ-ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ሰይፈ ደርቤ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 9/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ካልኦት ዓውድታትን ራኢ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘዐውት ምችው ኩነታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እናተፈጠረ ከምዝኾነ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ሰይፈ ደርቤ ገሊፆም።
ጉጅለ ኣባላት ሓለፍቲ ስራሕን ሰብ ሞያን ኢዜኣ ስራሕቲ ልምዓት ቴክኖሎጂ ዋና ቤት ዕዮ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሽል ኢንተለጀንስ ተዓዚቦም።
ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኢዜኣ ሰይፈ ደርቤ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓለም ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ልምዓት ቴክኖሎጂ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እያ ትርከብ።
ኣብ ዑደቶም እውን ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ካልኦት ዓውድታትን ራኢ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘዐውት ምችው ኩነታት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እናተፈጠረ ምዃኑ ምዕዛቦም ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ካብ ወፃኢ ዝኣትው ቴክኖሎጂ ጥራሕ ናይ ምጥቃም ባህሊ ብምቕያር ነታ ኣህጉር እውን ብመርኣያነት ዝግለፅ ስራሕቲ ፈጠራ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ እናሳለጠት ከምትርከብ ገሊፆም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሽል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)፤ ኣብ ሓፂር እዋን 'ኢንተለጀንስ ንኹሉ' ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ውፅኢት እናተመዝገበ እዩ ኢሎም።
ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ስራሕቶም ብቐሊሉ ዘሳልጥሉ ምችው ምህዳር ቴክኖሎጂ እናተፈጠረ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
መራኸብቲ ሓፋሽን ካልኦት ትካላት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ብምጥቃም ፅሬትን ቅልጣፈን ዘለዎም ስራሕቲ እናሳለጡ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።
መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ኢትዮጵያ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ናይ ምጥቃም ባህሎም ዘዕብይሉ ግንዛበ ዘዕብዩ ስራሕቲ ክሰርሑ ከምዝግባእ እውን ኣረዲኦም።
ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ኣባላት ኣመራርሓ እውን፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንኣፍሪካውያን እውን ዝምህርቲ ዝህብ ዝነኣድ ውፅኢት ከምዘመዝገበት ምዕዛቦም ኣረዲኦም።
ኣብ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዓለም ለኸ ተወዳዳሪ በዓል ሞያ ፈጠራ ንምፍራይ ዝሳለጡ ስራሕቲ እውን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ዝሓሸ ምግባር ኣብ ዘኽእል ጉዕዞ ትልሚ ከምዘላ ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) 7 ሕዳር 2018 ዓ/ም ዋና ቤት ዕዮ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ መሪቖም ስራሕ ምጅማሮም ዝዝከር እዩ።