ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ-ሎጊያ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንምዕዛብ ናብታ ከተማ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 9/2018(ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ-ሎጊያ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ንምዕዛብ ናብታ ከተማ ኣትዮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ናብ ህያው ምስክር ምድረ ቀዳምነትናን ዘርኢ ወዲ ሰብ ዝርከበላን፣ወናኒት እሳተ ጎመራ ኤርታሌን ደስ በሃሊ ገፀ ምድርን፣ወናኒት ሃፍቲ ተፈጥሮን ባህልን ዝኾነት ሰሓቢት ከተማ ዓፋረዮት ሰመራ ሎጊያ ኣቲና ኢሎም።



ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሡልጣን ዓሊሚራህ ሐንፋሬ ሰመራ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ንዝገበሩሎም ርእሰምምሕዳር እቲ ክልል፣ላዕለዎት ኣመራሓ እቲ ክልል፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ዓበይቲ ዓድን ነበርቲ ከተማ ሰመራ ሎጊያን ልዑል ምስጋና ኣቕሪቦም።



ኣብ ፃንሒቶም እውን ኣብታ ከተማ ዝሳለጡ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ከምዝዕዘቡ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም