ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝባፅሑ ዝራእቲ ሓረስቶት ኣኪቦም - ኢዜአ ትግርኛ
ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝባፅሑ ዝራእቲ ሓረስቶት ኣኪቦም
ኣክሱም/ሕዳር 9/2018(ኢዜኣ) ተምሃሮን ማሕበረሰብ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ዝባፅሑ ዝራእቲ ሓረስቶት ኣኪቦም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ዳይሬክተር ኣገልግሎት ማሕበረሰብ በርሀ ታፈረ (ዶ/ር)፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ምምሃርን ምስትምሃርን ብተወሳኺ ኣብ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ ንቑሕ ተሳትፎ እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ እውን ኣብ እዋን ክረምቲ ዝለምዐ ኣዝመራ ሓረስቶት እቲ ከባቢ እዋኑ ብዘይሓለወ ዝናብ ንከይበላሾ ተምሃሮን ሓፈሻዊ ማሕበረሰብ ተምህርትን እቲ ዩኒቨርሳቲ ብወፍሪ ስራሕ ምእካብ ዝባፅሑ ዝራእቲ ኣሳሊጦም ኢሎም።
ኣብቲ ወፍሪ እውን ካብ 7 ክሳብ 9 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ወረዳታት ላዕላይን ታሕታይን ማይጨው ዝባፅሑ ዝራእቲ ምእካብ ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።
ኣብቲ ወፍሪ ናይ ጉዱኣት ኣካልን ዓቕሚ ዘይብሎምን ወገናት ዝራእቲ ከምዝተኣከበ ብምሕባር፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብቲ ወፍሪ ንዝተሳተፉ ነበርቲ እቲ ከተማ እውን ነፃ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምሃቡ ኣብራህሪሆም።