ቫይረስ ማርበርግ ብኸመይ ይመሓላለፍ? - ኢዜአ ትግርኛ
ቫይረስ ማርበርግ ብኸመይ ይመሓላለፍ?
- እቲ ሕማም ምስ ደም፣ ሽንቲ፣ ንብዓትን ካልኦት ፈሰስቲን ዝፍጠር ቀጥታ ምንኽኻእ፣
- ብዝሓመመ ወይ እውን ብዝሞተ ሰብ ሰውነት ፈሳሲ ዝተበከሉ ናውቲ (ከም ክዳን፣ ኮቦርታ፣ መርፍእን ካልኦት መገልገሊታትን) ብዝግበር ምንኽኻእ፣
ብኸመይ ከ ምክልኻል ይከኣል
- ዝተዘርዘሩ ምልክታት እንተጋጥሙ ብህፁፅ ናብ ትካላት ሕክምና ምኻድ፣
- ምስ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ እንተነይሩናን ትኩሳት እንተሃሊዩን ብቕልጡፍ ናብ ትካላት ጥዕና ምኻድ፣
- ሞት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እቲ ኣስከሬን ብሰብ ሞያ ምስንዳእን ምቕባርብ፤ ዘየድሊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክተርፍ ምግባርን ምንኽኻእ ዘለዎም ናውቲ ምውጋድን፣
- ካብ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ ደምን ፈሳሲን ምርሓቕ፣
- ንዝሓመመ ሰብ ክንክን ኣብ ንገብረሉ እዋን ሜላታት መከላኸሊ ማለት እውን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክን ናይ ኢድ ጓንትን ምጥቃም፣
- ኢድ ብሳኒታይዘር ወይ እውን ብሳሙናን ማይን ብግቡእ ምሕፃብ ከምዝግባእ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና የመላኽት።