ቫይረስ  ማርበርግ ብኸመይ ይመሓላለፍ? 

  • እቲ ሕማም ምስ ደም፣ ሽንቲ፣ ንብዓትን ካልኦት ፈሰስቲን ዝፍጠር ቀጥታ ምንኽኻእ፣
  • ብዝሓመመ ወይ እውን ብዝሞተ ሰብ ሰውነት ፈሳሲ ዝተበከሉ ናውቲ (ከም ክዳን፣ ኮቦርታ፣ መርፍእን ካልኦት መገልገሊታትን) ብዝግበር ምንኽኻእ፣

                  ብኸመይ ከ ምክልኻል ይከኣል 

  1. ዝተዘርዘሩ ምልክታት እንተጋጥሙ ብህፁፅ ናብ ትካላት ሕክምና ምኻድ፣
  2. ምስ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ እንተነይሩናን ትኩሳት እንተሃሊዩን ብቕልጡፍ ናብ ትካላት ጥዕና ምኻድ፣
  3. ሞት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እቲ ኣስከሬን ብሰብ ሞያ ምስንዳእን ምቕባርብ፤ ዘየድሊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክተርፍ ምግባርን ምንኽኻእ ዘለዎም ናውቲ ምውጋድን፣ 
  4. ካብ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ ደምን ፈሳሲን ምርሓቕ፣
  5. ንዝሓመመ ሰብ ክንክን ኣብ ንገብረሉ እዋን ሜላታት መከላኸሊ ማለት እውን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክን ናይ ኢድ ጓንትን ምጥቃም፣
  6. ኢድ ብሳኒታይዘር ወይ እውን ብሳሙናን ማይን ብግቡእ ምሕፃብ ከምዝግባእ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና የመላኽት።
የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም