ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ መፂኡ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ መፂኡ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 9/2018(ኢዜኣ) ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዓረቢያን ዘሎ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ከምዝመፀ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብዱልሃኪም ሙሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 2ይ ፎረም ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ሳዑዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣብዱልሃኪም ሙሉ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያን ሳዑዲ ዓረቢያን ነዊሕ ዘበን ዘቑፀረ እዩ።
ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ምምፅኡ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ዓረቢያ መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት ንምግባር ንኢትዮጵያ ቀዳማይ ሕርይኦም ምግባሮም ሓቢሮም።
እቲ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ምኽንያት እቲ ዕቤት ዋሕዚ ኢንቨስትመንት ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ኢትዮጵያ ናብ ሳዑዲ ዓረቢያ ስጋ ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ፍርያታት ግብርና ከምትልእኽ ብምሕባር፤ ብኣንፃሩ ድማ ነዳድን ካልኦት ፍርያታትን ካብ ሳዑዲ ከምተእቱ ተዛሪቦም።
ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ኣብ መዓድን ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ኢንቨስት እናገበሩ ከምዝርከቡ ገሊፆም።
ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ደጋቶ ኩምቤ (ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ሃገራዊ ሪፎርም ንኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ እዋን ብዝበለፀ ንኢንቨስትመንት ምችውትን ተመራፂትን ገይርዋ እዩ ኢሎም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰብ ሃፍቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ፍቓድ ወሲዶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት መዋእለ ንዋዮም ኢንቨስት እናገበሩ ከምዝርከቡ እውን ኣረዲኦም።
እዚ ድማ ንምጣነ ሃፍታዊ ዕቤት ሃገርን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ኣፍሊጦም።
ፈፃሚ ጉዳይ ኤምባሲ ሳዑዲ ዓረቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ሳሊህ አልሞግቢል (ዶ/ር)፤ ሰብ ሃፍቲ ሳዑዲ ዓረቢያ ኢንቨስት ንምግባር ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሕርይኦም እናኾነት ምምፃኣ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ዘሳለጠቶም ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ፖሊሲታት ኢንቨስትመንትን ነቶም ሰብ ሃፍቲ ምችዋት ምዃኖም እውን ኣረዲኦም።