2ይ ምዕራፍ ፕሮግራም ኩታ ገጠም ሕርሻ ዕላዊ ኮይኑ - ኢዜአ ትግርኛ
2ይ ምዕራፍ ፕሮግራም ኩታ ገጠም ሕርሻ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 9/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ዓውዲ ግብርና ብምምዕባል ኩለ መዳያውን ቀፃልነት ዘለዎን ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ዝድግፍ 2ይ ምዕራፍ ፕሮግራም ኩታ ገጠም ሕርሻ ዕላዊ ኮይኑ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ፣ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዮት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ማንደፍሮ ንጉሴን(ዶ/ር) ሓዊሱ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ፣ኣምባሳደራት፣ተወከልቲ መሓዙት ትካላትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ኣብዚ እዋንከምዝበልዎ፤ ሓለ
ዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር መሰረት ንዝገበረ ግብርና ቀዳምነት ብምሃብ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ እናተሰርሐ እዩ።
እቲ ፕሮግራም፤ ግብርና ዘማዕብልን ሂወት ሓረስቶት ዘመሓይሹ ዝተዋደደደ ስራሕቲ ግብርና ዝሳለጥሉን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
እዚ ድማ ኢትዮጵያ ግብርና ብምምዕባል ልኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ንዝጀመረቶ ፃዕሪ ዝድግፍ እዩ ኢሎም።
እቲ ፕሮግራም ሂወት ብሚልዮን ዝቑፀሩ ሓረስቶት ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ንፈጠራ ዕድል ስራሕ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ሓቢሮም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዮት ትራንስፎርሜሽን ግብርና ኢትዮጵያ ማንደፍሮ ንጉሴን(ዶ/ር) ብግደኦም፤ እቲ ፕሮግራም ኣብ 9 ስትራቴጂክ ፍርያታት ግብርና ትኹረት ዝገበረ እዩ ኢሎም።
እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ፕሮግራም ኩታ ገጠም ሕርሻ፤ ፍርያትን መፍረያነት ኣብ ቡን፣ጥራ ምረ፣ቅመማ ቅመምን እኽልታት ቅብኣትን ዝተዋፈሩ ሓረስቶት ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ምትእስሳር ዕዳጋ ንክፈጥሩን ፀጋ ንክውስኹን ዝሕግዝ እዩ።