ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ መንግስቲ ግቡእ ስለዝኾነ ብዘይ ኣፈላላይ ንተግባራዊነቱ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ መንግስቲ ግቡእ ስለዝኾነ ብዘይ ኣፈላላይ ንተግባራዊነቱ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 9/2018(ኢዜኣ) ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ መንግስቲ ግቡእ ስለዝኾነ ብዘይ ኣፈላላይ ንተግባራዊነቱ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖትን ኣባ ገዳታትን ገሊፆም።
ዋና ኣካቢ ትካላት ሃይማኖት ክፍለ ከተማ የካ መልዓከ-ኃይል ኣባ ኃይለገብርኤል ከተማ፤ ምስኣን ኣፍ ደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናይ ቀረባ እዋን ፍፃመ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕራ ዝሰኣነትሉ ብሽርሒ ዕቤታ ከም ስግኣት ዝርእዩ ታሪኻዊ ፀላእታን ብሸለልትነት ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕታን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍ ደገ ባሕሪ ከምዝነበረት ታሪኻዊ መረዳእታታት ብምግላፅ፤ ምምላስ ኣፍ ደገ ባሕሪ ጉዳይ ፍትሒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ብሽርሒ ዝሰኣነቶ በሪ ባሕሪ ብሓቂ ክምለስ እዩ፤ እቲ ናይ ሓቂ ግዜ ድማ ሕዚ እዩ ኢሎም።
ሕቶ ኣፍ ደገ ባሕሪ መንግስቲ ግቡእ ስለዝኾነ ብዘይ ኣፈላላይ ንተግባራዊነቱ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ክብሉ እውን ገሊፆም።
ምክትል ፕሬዚዳንት ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣዲስ ኣበባ ሼህ መሐመድ ሸሪፍ ብግደኦም፤ ብሽርሒ ዝኸደ በሪ ባሕርና ብሰላም ክነመልሶ ኢና ኢሎም።
መንግሥቲ በሪ ባሕርና ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ወለዶ በሪ ባሕሪ ናይ ምምላስ ሓደራ ከምዝተውሃቦ ብምርዳእ ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ጠጠው ክብል ኣለዎ ክብሉ ኣንዚቦም።
ንሕና ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ከይዲ ምምላስ በሪ ባሕሪ ኣብ ጎኒ መንግሥቲ ብምዃን እጃምና ክንዋፃእ ኢና ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበሉ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ለውጥታት ምምዝጋቦም ዝገለፁ ድማ ኣባ ገዳ ወልደኣብ ገብረኣብ እዮም።
እዞም ለውጥታት ዝተመዝገቡ መንግስትን ህዝብን ብሓባር ብምስርሖም ከምዝኾነ ብምሕባር፤ በሪ ባሕሪ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ እውን ከም ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክንብል ኢና ክብሉ ተዛሪቦም።