ኢትዮጵያ ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ዓለም ለኸ መሪሕ ንምዃን ብቆራፅነት እናሰርሐት እያ ትርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ዓለም ለኸ መሪሕ ንምዃን ብቆራፅነት እናሰርሐት እያ ትርከብ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 9/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ዓለም ለኸ መሪሕ ንምዃን ብቆራፅነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መበል 14 ዓለም ለኸ ጉባኤ ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ ጉባኤ፤ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር)፣ፕሬዚዳንት ማሕበር ለኣኽቲ ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ኢትዮጵያ ኤዳኦ ኣብዲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ፍርያት ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ምፍራይ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዋ።
ስለዝኾነ ድማ ኢትዮጵያ ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ዓለም ለኸ መሪሕ ንምዃን ብቆራፅነት እናሰርሐት ከምዝኾነት ተዛሪቦም።
እዚ ዕቑር ሃፍቲ ንምጥቃም መንግሥቲ ነቲ ዓውዲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ዕዳጋታት ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ክፍቲ ንምግባር፣ብዕዳጋ ዝምራሕ ተመን ሸርፊ ንምቕባል ከምኡ እውን ተመን ዋጋ ንምቕራብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ተግባር ዝኣተወ ኣህጉራዊ ነፃ ዞባ ንግዲ ኣፍሪካ ንተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ሓደሽቲ መባፅሕታት ዕዳጋ ከምዝፈጥር ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ንዝግበር ዘሎ ከይዲ ወሳኒ እዩ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ማሕበር ለኣኽቲ ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ኢትዮጵያ ኤዳኦ ኣብዲ ብግደኦም፤ ብመንግስቲ ዝተውሃበ ትኹረት ዓውዲ ጥራ ምረን እኽልታት ቅብኣትን ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ንከምዝግብ ከምዘኽኣለ ገሊፆም።
ብመንግስቲ ዝውሰዱ ዘለዉ መመሓየሽታት ንዕቤት እቲ ዓውዲ ርኡይ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።