እቲ ኤግዚቢሽን ከተማታ ቴክኖሎጂ ዝፍልፍለለን ከምዝኾና ብተግባር ዝተርኣየሉ እዩ -ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኤግዚቢሽን ከተማታ ቴክኖሎጂ ዝፍልፍለለን ከምዝኾና ብተግባር ዝተርኣየሉ እዩ -ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 8/2018 (ኢዜኣ) ኤግዚቢሽን መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ብናይ መደመር መንግሥቲ ከተማታት መፈልፈሊ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ከምዝኾና ብተግባር ዝተርኣየሉ እዩ ክብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።
መበል 10ይ ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ "ዕቤት ከተማታት ንልህቀት ኢትዮጵያ” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ሎጊያ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ፡፡
ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኤግዚቢሽን ፎረም ከተማታት ኢትዮጵያ ከምዘጀመሩ ዝዝከር እዩ።
ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ እቲ ኤግዚቢሽን ተዘዋዊረን ተዓዚበን።
እተን ሚኒስትር ንዑደተን ኣመልኪተን ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት ከምዝበልኦ፤ እቲ ኤግዚቢሽን ባህሊ ስራሕ ዜጋታት እናተቐየረ ምምፅኡ ዝተርኣየሉ እዩ።
መንግስቲ ንከተማታት ዝሃቦ ትኹረት ብጭቡጥ ውፅኢት እናተረጋገፀ ከምዝመፀ ብምግላፅ፤ ከተማታት ብዘለወን ዓቕምን ፀጋን እናለምዓ ከምዝኾና ተዛሪበን።
ኣብቲ ኤግዚቢሽን ኣብ ከተማታት ዘሎ ልዑል ምንቕቓሕ ምርኣይ ከምዝኸኣላ እውን ኣረዲአን።
እቲ ኤግዚቢሽን ብናይ መደመር መንግሥቲ ከተማታት መፈልፈሊ ፍልጠት ቴክኖሎጂ ከምዝኾና ብተግባር ዝተርኣየሉ እዩ ኢለን።