ዓለም ለኸ ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጅን እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ዘኽእል ዓለም ለኸ ተሞኩሮ ዝተረኸበሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዓለም ለኸ ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጅን እቲ ዓውዲ ንምዕባይ ዘኽእል ዓለም ለኸ ተሞኩሮ ዝተረኸበሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 8/2018(ኢዜኣ) መበል 4ይ ዓለም ለኸ ኤክስፖ መዓድንን ቴክኖሎጅን ዓውዲ መዓድን ብዝበለፀ ውፅኢታዊ ንምግባር ዘኽእል ዓለም ለኸ ተሞኩሮ ዝተረኸበሉ ከምዝኾነ ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኘ(ኢ/ር) ገሊፆም።
ብኣዳላውነት ሚኒስቴር መዓድን ካብ 4 ክሳብ 7 ሕዳር 2018 ዓ/ም ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ክሳለጥ ዝፀንሐ መበል 4ይ ዓለም ለኸ ኤከስፖ መዓድንን ቴክኖሎጅን(MINTEX Ethiopia 2025) ብዓወት ንክዛዘም ኣስተዋጽኦ ንዘበርከቱ ኣካላት መርሃ ግብሪ ምስጋና ተሳሊጡ።
ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኘ(ኢ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዓውዲ መዓድን ዘሎ ዕቑር ሃፍቲ ናብ ብልፅግና ንምቕያር መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ንዝዋፈሩ ኢንቨስተራት ደገፍ ንምግባር ድሉው እዩ።
ዓውዲ መዓድን ኢትዮጵያ ዕቤት እናርኣየ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ፀገማት ተፈልዮም ምምሕያሽ ከምዝተገበረሎም እውን ሓቢሮም።
እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ እውን ንመዓድን ዝተውሃቦ ትኹረት ኣብቲ ዓውዲ ለውጢ ከምዝተመዝገ ብምሕባር፤ ነዚ ስዒቡ ሃፍቲ ምልላይ፣ስርዓት ኣሰራርሓን ምምሕዳር ፕሮጀክትን ምምሕያሽ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
እቲ ኤክስፖ ካብ ዝተፈላለዩ ዓለማት ዝተኣኻኸቡ ሰብ ሞያ፣ተዋሳእቲ ኢንዱስትርን ሙሁራንን ዝተረኸብሉን ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ንምዝርጋሕ ዘኽእሉ ልምድታት ዝተወሰደሉን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ኤክስፖ ዝተሳተፉ ኣፍረይቲ እቲ ዓውዲ ብግደኦም፤ እቲ ኤክስፖ ፍርያቶም ንምልላይን ተሞኩሮ ንምልውዋጥን ከምዝሓገዞም ኣረዲኦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንዕዉትነት እቲ ኤክስፖ ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ኣፍልጦ ተዋሂቡ።
ነበር ሚኒስትር ዲኤታ መዓድን ኣይተ ሚልዮን ማቲዎስ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ዓውዲ ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ተዋሂብዎም።